Fundraising

መደረ ኣብ እዋን እቶት ምትእክካብ ንህንፀት ማእኸል ተጋሩ ብኣቦ ወንበር ኣይተ ተስፋሁን ፀጋይ፣ 17 June 2023

ኽቡር ኣቦና ቖመስ ኣብ ሰረቐብርሃን ወልደሳሙኤል ናይ ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ደብረ ፅዮን ቕ/ማርያም ቤተክርስትያን ዋና ኣመሃዳዳሪ


ኽቡር ሓውና ኣይተ ገ/ስላሴ ገብሩ ናይ ትግራይ ኾሚኒቲ ቦርድ ሰብሳቢ


ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ፤


ኹቡራትን ኹብራንን ኣቐዲመ ብሽም ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪኽቶርያ ፤ ንኾሚኒቲ ማእኸል መስረሒ ዝኸዉን
ገንዘብ ዓቅሚ ንምዕባይ ፤ ናይ እቶት ምትእክካብ ፤ ንህንፀት ምእኸል ተጋሩ ንክትድግፉን ንክተበረታትዑን
ዝመፃእኩም ፈተውቲ ተጋሩ፤ ዕዱማት ኣጋይሽ፤ መላእ ማሕበረሰብ ተጋሩን፤ እንኻዕ ደሓን መፃኹም።


ንዚ ናይ ሎሚ ምሸት ምደ፤ ካብምድላው፤ ኣብትኬት ምሽጥን፤ ኣብኩለመዳይ፤ ስርሕ ዝሓገዝኩምና፤ መደብና ዕዉት ንክከዉን፤ ሓገዝን ድጋፍን ንዝገበርክሙል፤ ብሽም ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪክቶርያ፤ ምስጋናይ
እንዳቕረብኩ፤ የቐንየልና ድማ ክብል ይፈቱ።


ኹቡራትን ኹብራንን፤ ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪክቶርያ፤ ካፍቶም ቐደምቲ ናይ ኣፍሪቃውያን ማሕበራት ሓደ ኮይኑ፤ ኣብ መዝገብ ሕብረ ማሕበረሰብ ቪክቶርያ-ዝሰፈረ ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ማሕበር እዩ::


እንሆ ሎሚ፤ “መፃኢ ወሎደና ኣብ ኾሚኒቲ ማእኸል ይተሃነፅ”! ብዝብል መሪሕ ቃል ተላዒልና፤ ንሓበራዊ ራኢና ዝኾነ “ኮሚኒቲ ማእኸል (ሰንተር) ዝወነነ ማሕበረሰብ ተጋሩ ኣብቪክቶርያ ንምርኣይን፤ ጉሑድ ንምግባርን፤ ኣብናይ ቐዳማይ ብርኺ ፤ ቐዳማይ ዙር፤ ንኾሚኒቲ ማእኸል ፤
መስረሒ ዝኸዉን፤ ናይ ገንዘብ ዓቅሚ ንምዕባይ፤ ናይ እቶት ምትእክካብ ዝሓዝናዮ መደብ ዕዉት ንምግባር ፤ ሎሚ ምሸት ኮላትና ኣብዚ ተረኪብና ኣለና፡፤ ዕድመና ኣክቢርኹም፤ ኣብዚ ቕዱስ ዕላማ ብምርካብኩም ፤ ዝስመዕና፤ ሓበንን፤ ሓጎስን እንዳገልፅኩ ፤ ንህንፀት ማእኸል ተጋሩ ንክትድግፉን ንክተበረታትዑን ዝመፃእኩም ፤ ኣባላትን ፤ ፈተውቲ ተጋሩ ዕዱማት ኣጋይሽን ፤ ብዝለዓ ኣክብሮ፤ ብሽም ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪክቶር፤ ምስጋናይ እንዳቕረብኩ፤ ደጊመ እንኻዕ ደሓን መፃኹም ክብል ይፈቱ።


ናይ ተጋሩ ማእኸል ወይ ድማ (Tigrian Community Centre) ምዉናን ጥቕሙን ኣድላይነቱን ሰፊሕ
ብምኻኑ ግዜ ክወስድ ኣይደልን።


እንተኮን ግን ቑሩብ ተንኪፈ ክሓልፍ፤ ትርጉም ምዉናን ማእኸል ተጋሩ ወይ ድማ (Tigrian Community
Centre) ወለዶ እንሃንፀሉ፡ ነጻ መድረክ ንመናእሰይ ትኾስኺሶም ዝዓብዩሉ ቦታ ብምዉናን፡ ብኡ ኣቢልካ:
ሓላፍነት ዝስመዖም፤ ኣብ ኩሉ መዳይ ዝሳተፉ ፤ ብስነግንባርን ፤ብሞራል፤ ብኣክብሮተ ሰብ፤ ብሰብኣዊ ሓልዮትን ፤ ተደጋጋፋይነትን፤ ኣተሓሳስባ ዝተኾስኾሱ ፤ ዓርሰእምነት ዘለዎም ፤ እርኑባት ወሎዶ ዜጋ ንምህናጽ: ባህሎምን መንነቶምን ዓቂቦም ምስ’ቲ ንነብረሉ ዘሎና ገፊሕ ሃገረ ኣውስትራል፤ ኢሉ’ውን ኣብ ዓለምና ብዓበያ፤ ዝወዳደሩን፤ ዓቕሚ ዘለዎም፤ ኣብ ናይ ትምሕርቲ ብልሒ ጫፍ ዝበፅ፤ ብፈጠራን ፤ ብምሕዞን ዝነጠቑ፤ ዓበይቲ መራሕቲ ንምፍጣርን፤ ወለዶ ንምህናጽን ፤ ቐንዲ ወሳናይን እንኾ መማረፂ ፤ ምዉናን “ኮሚኒቲ ማእኸል (ሰንተር) ንክዉንነት ሓበራዊ ራኢና ቕልፊ ስለዝኮነ እዩ።


ሓድነትናን: ባህልናን: መንነትና ዓቂብና፤ ከሰጉመና ዝከኽእ; እንኮ ብሉጽ “ራኢይ” ተሊምና ፤ እንሆ ኣባላት
ማሕበር ተጋሩ ቪክቶርያ ፤ ኣብ መንገዲ ዕብየት ንርከብ::

ቀጻልነቱን ንጥፈታቱን ውሑስ ንምግባር ድማ ፤ ዘይተሓለለ ናይ ኩልና ተጋሩ ኣብ ቪኽቶርያ ጻዕሪ እኳ እንተኾነ: ንህንፀት ምንነት ትግራዉነት ናይ ኹሉ ትግራዋይን ፈተዉቲ ተጋሩን እዩሞ፤ ንክትሕጉዙናን ንክተበረታትዑናን ዝመፃኹም ኣግይሽን ዕዱማትን ብሓፈሻ ፤ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ፤ መደብ ድራር እቶት ምትእክካብ ንህንፀት ኾሚኒቲ ሰንተር ፤ተሳተፍቲ ብምኻን ፤ ዝተረከብኩም ኩልኩም፤ ዝነዓቕ ሓገዝ የለን እሞ፤ ብብዝኸኣልክምዎ ዓቕሚ ፤ ንክትድጉፍና ብሽም ማሕበር ተጋሩ ኣብ
ቪክቶርያ ብትሕትና ይላቦ፤፡


ሎሚ እንትንሓስብን እንትንዝክር: ትማሊ ኣብ ከመይ ኩነታት ነይርና: ሎሚ ኣበይ ኣሎና: ጽባሕን መጻኢናን ከ፤ ከመይ ንሪኦ ፤ ናይ ሕድሕድና ሓላፍነት እዩሞ፤ ሰሰናዩ እናተመነኩ ንህንጸት እንኮ ህያብ መንነትና ፤ ብሓባር ህንካ ሃባ ፤ ህንኪ ሃቢ እንዳተበሃሃልና ኣብ ሓደ መኣዲ ስሚርና: መፃኢ ወሎደና ኣብ ኾሚኒቲ ማእኸል ይተሃነፅ!

ዝጀመርናዮ ክንዉዶ ኢና።

የቀንየልይ!
ተስፋሁን ፀጋይ