Tigray, Uncategorized

መግለፂ ሓዘን

Download PDF version here

ዝከበርኩም ናይ ሃይማኖት መራሕቲን ኣቦታትን
ዝከበርካ ምላእ ማሕበረሰብ ተጋሩ ኣብ ቪክቶርያ
ንዝከበርኩም ስድራ ሰማእታት ጀጋኑ ትግራይ
ዝከበርካ መላእ ህዝቢ ትግራይ
ኣቐዲመ ኣብዛ ዕለት፡ መዓልቲ ብሄራዊ ሃዘን ስዉኣት ትግራይ፤ ንህላወ ትግራይ ዝተከፍለ ክቡር መስዋእቲ እንዳዘከርኩ፤ ብስም ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪክቶርያ፡
ንመላእ ህዝቢ ትግራይን፤ ንስድራ ሰማእታት ጀጋኑ ትግራይ፤ ጽንዓት ይሃብ ክብል ይደሊ።
ሎሚ ቕነ ኣብ መላእ ትግራይን ኣብ መልእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ፡ ንቶም ብሰንኪ ጆነሳዳዊ ኩናት ንክብሪ ዓዶምን ምንነቶምን ፤ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፅንተት ንምድሓን፤ ንህዝቦም ክብሉ ንታ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ሂወቶም ኣወፊዮም ዝተሰወኡ ጀጋኑ ትግራይ፤ ንዝከፈልዎ ክቡር መስዋእቲ ክብሪ ንምሃብን፤ ንዝተሰወኡሉ ዕላማ ሕድሮም ንከይንጠልም ቓል ንምእታው ዝተኣወጀ ብሄራዊ ሓዘን እዩ።
ጀጋኑ ስዉኣት ትግራይ፤ ንህላወ ሕዝቢ ትግራይ ዝከፈልዎ ክቡር መስዋእቲ፡ ሚዛን መስዋእቶም ዝገልጽ ቓላት፡ ዋላ እንተ ሓፀረና፡ ብሽም ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪኽቶርያ፡ ንኩቡር መስዋእቶም ዝለዓለ ክብሪ ንህብ።
ኣብዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፤ ፀላእቲ ትግራይ፤ ካፍትን ካፍትን ተኣካኪቦም፤ ብልፍንቲ ተሓባቢሮም፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ዘውረድዎ መዓት፤ ካብ መዓት ንማ ዓቱ እውን ፍፁም ሑሱም፤ ካብ ውሉድ ወሎዶ፤ ኣብ ቑሰሸትን ዓዲ ሙሉእን ቐባሪ ዘይገድፍ፤ ብመዐቐኒ ሚዛን ክትዕቕኖ ዝይትክእል፤ ጭኻኔ ብዘለዎ፤ ንሕዝቢ ትግራይን፤ ካርታ ትግራይ፤ ካብ ምድሪ ዓለም ጨርስካ ንምሕካክ፤ ትግራዋይ ዝብሃል ጠፊኡ፤ ብታሪክ ንከይዝከር፤ ኢሉዉን ካብ ስነ ኣእምሮን ህሊና ወዲ ሰብ እዉ ንክሕከክ ተባሂሉ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፤ ብቑልዕ ኣዋጅ፤ ዝተኣወጀ ኹናት እዩ ነይሩ።
ይኩን ደኣምበር ህዝቢ ትግራይ፤ ነዚ ዝመፀ ወራርን ጨፍጫፍን፡ ንምምካት፡ ብዘርአዮ ምርብራብን ጽንዓትን፡ ንቲ ወራር ጽንተት ትግራይ፡ ንሕልሚ ፀላእትና፤ ብዘስደምም ብፅንዓት መኪትዎ እዩ።
ንህላወ ህዝቢ ትግራይ፤ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ከቢድን ረዚንን መስዋእትን እዩ ነይሩ፡ ካብዚ ከቢድ ወስዋእቲ ካብ ምክፋል ካሊእ መማረፂ እዉን ኣነበረናን፤ ፀላእትና ዝሓቡና፤ እንኮ መማረፂት፤ ምህላዉን ዝይምህላዉን እያ ነይራ። ስለዝኮነ ድማ፡ ከቢድ መስዋእቲ ፤ ከምህዝቢ ከፊልና፤ ከምህዝቢ ድማ ኣብ ሓዘንን መርድእን ንርከብ።

ሓዚ ግን ካብዚ መሪር ሓዘን፡ ወፂእና፤ ሓዘና ናብ ሕራነን ሓቦን ቐይርና፡ ቐንዲ ደበስ ስወኣትና እንሓስበሉ፡ ንዝተሰዉእሉ ዕላማ ዝገሓደሉ፡ ንሕውየት ትግራይን ሕዝቢ ትግራይን፡ ሓድነትና ዓጠናኺርና እንሰርሐሉ፤ ምሱኡ ድማ ስድራ ስውኣትና ምሕጋዝን ምሕብሓብን ኸም ሓላፍነት ክንወስዶ ከምዘለና ምኻኑ ፈልጥና፤ ሕድሪ ሰማእታት፡ ጋሕዲ ኣብምግባር ቐንዲ ዉራይና ግይርና ክንሰርሕ ይግባእ።
ኣብዚ እዋን፤ ዓድና ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ከቢድ ሓዘንን፡ ኻልኦት ብዙሓት ተኣነፍቲ ነገራት ዘለዉዋ ትግራይ ምኻና ተረዲእና፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይን ስድራ ስዉኣትን ኾይንና፡ ዕላማ ስዉኣትና ጉሁድ ንምግባር ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪክቶርያ ጉቡኣ ኽትዋፃእ ምኻና ክነረጋግፀልኩም ንደሊ።
ንብሄራዊ ክብርን ንህላወ ሕዝቢ ትግራይ፤ ንሓርነትን፤ ነፃነት ፤ መተኻእታ ዘይብላ ክብርቲ ህወትኩም ዝኸፈልኩም ኹቡራት ጀጋኑና ብሰላም ዕረፉ፤ መስዋእትኩም ህያዉን ዘለኣለማዊ እዩ፡ ሕድርኹም ኣይንጠልምን!
ንስድራ ስውኣትን ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፅንዓት ንምነ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!
ስራሕ ፈጻሚት ኾሚቴ ማሕበር ተጋሩ ኣብ ቪክቶርያ

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.